Was passiert, wenn ich unter 16 geheiratet habe?

ኣብ ትሕቲ 16 ዓመት ዕድመይ ከለኹ እንተ ተመርዓውኩ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል?

ኣብ ትሕቲ 16 ዓመት ዕድመይ ከለኹ እንተ ተመርዓውኩ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል?

ክትምርዓዊ ከለኺ 16 ዓመት ኣይመላእክን' ዶ ኔርኪ፣ ሕጂ ኸኣ 18 ዓመት ኣይኣተውክን? ከምኡ እንተ ደኣ ኮይኑ ቃል ኪዳንኪ ኣብ ጀርመን ተፈላጥነት የብሉን። ተፈላጥነት ምህላው ማለት ተቐባልነት ምርካብ ማለት እዩ። እዚ' ኸ ንዓኺ ብኸመይ ይጸልወኪ?
ንስኺ ኣብ ጀርመን ከም ዘይምርዕውቲ ኢኺ ትፍለጢ። ጋና ምሉእ ዕድመ ስለ ዘይበጻሕኪ ኸኣ ንዓኺ ናይ ሓልዮት ሓላፍነት ዝወስደልኪ ሰብ የድልየኪ። ነዚ ሓላፍነት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ ኢዮም ዝወስዱዎ።  ኣብ ምሉእ ዕድመ ትኣትዊ ኣብ ናይ 18  ዕድመ ምስ በጻሕኪ እዩ። ናይ 18 ዓመት ዕድመ ምስ በጻሕኪ  ውሳነታትኪ ባዕልኺ ክትፍጽሚ  ትኽእሊ። ካብ ሽዑ ጀሚርኪ ኸኣ ንምውሳን ፍቓድ ካብ ስድራኺ ምውሳድ ኣይድልየክን።

ናብ ጀርመን ብዘይ ወለድኺ ምስ ሰብኣይኪ ጥራይ እንተ ደኣ መጺእኪ ኴንኪ፣ ክሳዕ 18 ትመልኢ ካልእ ሰብ ናይ ሓልዮት ሓላፍነት ይወስደልኪ። እዚ ሰብ' ዚ መጉዚትኪ ኢዩ። ሰበይቲ ወይ ሰብኣይ ከኣ ክኽውን  ይኽእል። መጉዚትኪ ሰበይቲ ክትከውን ትደልዪ' ዶ  ኢኺ? ድልየትኪ ኣነጺርኪ ግለጺ። ነዚ መጉዚት ዝቕርበልኪ በዓል ስልጣን፣ ቤት ጽሕፈት ሓልዮት መንእሰያት እዩ። ቤት ጽሕፈት ሓልዮት መንእሰያት ናይ መንግስቲ ኣካል እዩ። ንቕልዑትን መንእሰያትን ከኣ ይሕግዝ።

መጉዚት ብዛዕባ ድሕነትኪ ይግደስ። ሞግዚትኪ ንኣብነት ኣብ ጉዳይ ትነብርሉ ቤት ብዝምልከት ይሕግዘኪ። ብዛዕባ ትቕመጥሉ ቦታ ማለትዩ። ኣብ ጀርመን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝቕመጣሉ ኣባይቲ ኣሎ። ኣብኡ ኣለይቲ ይርከባ፣ – ጥራይ ደቂ ኣንስትዮ–  ቋንቋኺ ዝዛረባን ዝሕግዛኽን። ብሓባር (ንስኺ፣ መጉዚትክን ኣላይትክን) ኴንክን ብዛዕባ ሂወትኪ ኣብ ጀርመን ክትዘራረባ ትኽእላ።

16 ዓመት ከይመላእኪ ዝተመርዓውኪ እንተ ደኣ ኴንኪ'ሞ፣ ሕጂ ኸኣ ልዕሊ 18  ዓመት እንተደኣ ኴንኪ ቁሩብ ብርትዕ ዝበለ እዩ።

ቅድሚ ኩሉ ግና ክልተ ሕቶታት:

  1. ቅድሚ 22. 07 2017 ናይ መበል 18 ዓመት ዕድመኺ' ዶ መሊእኪ? እምበኣር መርዓኺ ኣብ ጀርመን ተፈላጥነት ኣለዎ።
  2. ናብ ጀርመን ቅድሚ ምእታውኪ ናይ መበል 18 ዓመት ዕድመኺ'ዶ መሊእኪ? እምበኣር መርዓኺ ኣብ ጀርመን ተፈላጥነት ኣለዎ።

ንኽልቲአን ሕቶታት ብ " ኣይኮነን " መሊስኪየንን ናይ መበል 16 ዕድመኺ ከይመላእኪ ዝተመርዓውክን'ዶ ኢኺ?  እምበኣር ንስኺ ኣብ ጀርመን ከም ዘይምርዕውቲ ኢኺ ትፍለጢ። ኣስተውዕሊ! እዚ ኣብ ጀርመን ጥራሕ ኢዩ፣ ኣብ ሃገርኪ፣ ከም ቀደምኪ ከም ምርዕውቲ ኢኺ ትፍለጢ።

ናይ 18 ዕድመ ዝመለኢኪ ስለ ዝኾንኪ፣ ቤት ጽሕፈት ሓልዮት መንእሰያት ብቕጽበት ሓላፍነት ክወስደልኪ ኣይክእልን። ቤት ጽሕፈት ሓልዮት መንእሰያት ናይ ቆልዑን መንእሰያትን ሓላፍነት ዝስከም መንግስታዊ ኣካል እዩ። ምስ ሓንቲ ካብተን ቤት ጽሕፈታት መማኸርቲ እንተ ተራኸብኪ ዝበለጸ እዩ።  ኣብተን ናይ መማኸርቲ ቤት ጽሕፈታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ክገብራልኪ እየን።  ኣስማተን ዘርዚርናልኪ ኣለና።

ዝወርደኪ መቕጻዕቲ ስለ ዘየለን፣ እኳ ደኣ ኣብ ምውሳን ከም ተኻፋሊት ኴንኪ ርእይቶኺ ከተቕርቢ ስለ ዘኽእለክን፣ ንምምርዓውኪ ከም ምስጢር ጌርኪ ኣይትሓዝዮ። ትም ካብ ምባል፣ ርድኡኒ ምባል ይሓይሽ።

ጥንስቲ ወይ ኣደ ቆልዑ'ዶ ኢኺ ? ዋላውን ኣብ ከምኡ ኩነታት ሓገዝ ትረክቢ ኢኺ። ሕጂ ኣብዚ ከተንብብዮ ትኽእሊ።

ክትምርዓዊ ከለኺ ጓል 16 ወይ 17 ዓመት'ዶ ኔርኪ? እምበኣር ብኽብረትኪ ምንባብ ቀጽሊ።