Marriage in Germany

መርዓ ኣብ ጀርመን

መርዓ ኣብ ሂወት ሰብ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ኩለን ሃገራት ሓዳር ንምትካል ዘብቅዕ እንተ ወሓደ ክብጻሕ ዝግብኦ ዕድመ ኣሎ።  እቲ ዝውቱር ዕድመ ከኣ 18 ዓመት እዩ። ናይ መብዛሕትኦም ሰባት ግና፣ ብፍላይ ከኣ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መርዓ ናይ 18 ዓመት ዕድመ ከይተበጽሔ እዩ ዝፍጸም። ምናልባሽ ንስኺ' ኸ ሓንቲ ካብኣተን ' ዶ ትኾኒ? ኣብ ናይ 15 ወይ 16 ዓመት ዕድመ ወይ እውን ኣብ ካብኡ ዝተሓተ ዕድመ ምምርዓው ብዙሕ ምክንያት ክህልዎ ይኽእል።

  • ባህሊ ሃገርኩም ከምኡ ስለ ዝኾነ ስድራኺ ንዓኺ ዝከውን በዓል ሓዳር'ዶ ረኺቦሙልኪ እዮም?
  • ካብ ሃገርኪ ተሰዲድኪ ወጺእኪ (ምስ ስድራኺ ብምምኻር ) በዓል ሓዳር ዝያዳ ድሕነት ዘውሕስ እዩ
    ብምባል' ዶ ውሳነ ወሲድኪ ትኾኒ?
  • ምምርዓውኪ ንቤተ ሰብኪ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምርካብ ንምኽኣል ኣድላዪ' ዶ ነይሩ' ዩ?
  • ንኽትምርዓዊ ተገዲድኪ'ዶ ኢኺ? ወይውን ክትቃወሚ ኣይከኣልክን ኢኺ? ምግዳድ ማለት ብዘይድልየትኪ ሓደ ነገር ምፍጻም ማለት እዩ።
  • ናይ 18 ዕድመ ኣይመላእክን ግን ቤተ ሰብኪ መርዓ ይምድቡልኪ ኣለዉ'ዶ  እዮም?
  • ናይ 18 ዕድመ ኣይመላእክን ግን ንዓርክኺ ክትምርዓዊ ትደልዪ'ዶ ኣለኺ ኢኺ?

ንሓንቲ ካብዘን ኣብነታት ብ "እወ" እንተ ደኣ መሊስኪያ ኴንኪ፣
ብክብረትኪ ምንባብ ቀጽሊ። እዚ ሓበሬታ ንዓኺ ዝጠቅም እዩ።

ሕጊታት ኣብ ጀርመን

Beratungsstellen in Deutschland

ናይ መማኽርቲ ቤት ጽሕፈታት ኣብ ጀርመን

ኣብ ጀርመን ቀልጢፈን ንዝተመርዋን፣ ክምርዓዋ ንዝተገደዳን መንእሰያትን እኹላትን ደቂ ኣንስትዮ ዘማኽራ ቤት   ጽሕፈታት ኣለዋ። መማኸርቲ ከመይ ገይረን ክሕግዛኺ ከም ዝግብአን ኣጸቢቐን ይፈልጣ እየን። ኣብ ጎንኺ ከኣ እየን ደው ዝብላ። ስምኪ ከይገለጽክለን እውን ክሕግዛኺ ይኽእላ እየን። እዚ ማለት ከኣ ሽዑ ንሽዑ ስምኪ ክትነግርየን ኣይትግደድን ማለት እዩ፡፡

ምናልባሽ ጋና ቋንቋ ጀርመን ዘይመልኽኪ እንተ ደኣ ኴንኪ፣ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝመልካ እየን፣ ወይውን ዝተፈላለየ ቋንቋታት ትኽእል፣ ኣብ ልዕሊ ንጀርመን ናትኪ ቋንቋ እውን ትኽእል ተርጓሚት ከምጽኣልኪ ይኽእላ። ደገፍ ክትጠልቢ ከኣ መሰልኪ ኢዩ።
ገለ ናይ መማኸርቲ ቤት ጽሕፈታት ደሊናልኪ ኣለና።

KINDERRECHTE in Deutschland

መሰል ህጻናት ኣብ ጀርመን

ስለምንታይ ደኣ እዩ ኢዚ ሓድሽ ሕጊ'ዚ ኣድልዩ? ምኽንያቱ ርዱእ'ዩ፡ ንዓኽን ንኩሎም ካልኦት ቆልዑን መንእሰያትን ከኣ  እዩ ተገይሩ።  ኣብ ጀርመን መሰላት ህጻናት ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ። መሰላት ህጻናት ክበሃል ከሎ ህጻናት ናይ ገዛእ ርእሶም መሰላት ኣለዎም ማለት እዩ። ሓድሓደ ግዜ መሰላት ህጻናት ልዕሊ መሰላት ወለዲ እዮም። ስለዚ'ውን ወለድኺ ኩሉ ንዓኺ ዝምልከት ጉዳይ ክውስኑ ኣይክእሉን። ንኣብነት ንመን ክትምርዓዊ ከም ዘልኪ ክውስኑ ኣይክሉን፣ ብፍላይ ከኣ ናይ 18 ዓመት ዕድመ ከይመላእኪ ከለኺ።

ኣብ ትሕቲ 18 ዕድመ ዓመት ዝግበር ቃል ኪዳን ኣብ ጀርመን ብሻቕሎት እዩ ዝረኣይ። ብሃንደበት ኣብ ደረጃ ዓበይቲ ትስርዒ ኣለኺ ማለት እዩ። ምስኡ ተተሓሒዙ ኸኣ ጾር ኸኣ ኩሉ ሓላፍነታትን  ዕዮታትን ኣለዎ። እዚ ንዓኺ ልዕሊ ዓቕምኺ ኮይኑ ክከብደኪ ይኽእል።

እቲ ቀንዲ ነገር፡ ኩሎም ህጻናት ክጻወቱን ናጻ ኮይኖም ክዓብዩን ተኽእሎታት ክህልዎም ኢዩ። ከምኡውን ክመሃሩ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣብ ጀርመን ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ ግዴታ ዘሎ። እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ  ቆልዓን፣ መንእሰይን  ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽኸይድ ይግደድ ማለት እዩ። ኢዚ ግዴታ ኢዚ ዋላውን ነቶም ኣብ ጀርመን ዘይተወልዱ ቆልዑ ዝምልከት እዩ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽቡቕኪ ዝደልዩን፣ እናተገደሱ ንክሕግዙኺ ዝሰርሑን መማህራን ኣለዉ።  ስለዚውን ሻቕሎትን  ጸገምን ክህልወኪ ከሎ ካባቶም ሓገዝ ክትሓቲ ትኽእሊ።

ኣብ ገዛኺ ንዘጋጥመኪ ዓበይቲ ጸገማት፣ (ንኣብነት ማህረምቲ) ፖሊስ እውን ክሕግዙኺ ይኽእሉ። ምስ ወለድኺ ግርጭት እንተ ደኣ ኣለኪ እውን  ፖሊስ ይድግፉኺ። ካብ ቤት ጽሕፈት ሓልዮት መንእሰያት ብፍላይ ንህጻናትን መንእሰያትን ተመሳሳሊ ሓገዝ ይወሃብ።

TERRE DES FEMMES

ቴር ደፋም TERRE DES FEMMES

TERRE DES FEMMES (ቴር ደፋም) ብ1981 ዝተመስረተ ናይ መንእሰያትን እኹላትን ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ኢዩ።  ንመንእሰያትን እኹላትን ደቂ ኣንስትዮ ንድግፍ። እዚውን ብግብሪ ንሕግዝ ማለት ኢዩ። ዋላ ሓደ ወይ ዋላ ሓንቲኳ ኣይፈለጥናን ከይብል ንኹሎም ሰባት ብዛዕባ ኣብ ርእሲ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንሕብር።  ፖለቲከኛታት ንመንእሰያትን እኹላትን ደቂ ኣንስትዮ ዝጠቅምን ካብ ዓመጽ ዝከላኸልን ሕጊታት ንኽሕግጉ ጠለብና ነቕርብ።

ንመንእሰያትን እኹላትን ደቂ ኣንስትዮ ዘሐይል ፕሮጀክትታት ንድግፍ፣ መሰላተን ከኣ ነረድአን። ኣብ ወጻኢ ሃገራት እውን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፕሮጀክትታት ንድግፍ።  ካብ ጀርመን ወጻኢ ማለትና ኢና። ካብ ዝኾነ ተመርኳስነትን ተጸጋዕነትን ከኣ ናጻ ኢና።  ኩሉ ሳዕ ከኣ ኣብ ጎኒ መንእሰያትን እኹላትን ደቂ ኣንስትዮ ደው ንብል።

ስራሕ

ምሕጋዝ